Fana: At a Speed of Life!

ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ፍቕሪን ከባቢ ምብራቕ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅና ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋን ክልል ሃረሪን ዘካይድዎ ስልጠና ይቕፅል ኣሎ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስልጠና ድማ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ሙሁመድ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪን ላዓለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ፓርቲ ብልፅግና ከባቢ ምብራቕ ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝፍለጠሉ ባህሊ ምክእኣለ ሃይማኖት፣ ምክብባርን ፍቕሪን ንኽምዕብል ክሰርሕ ኢዩ።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘረበኦም፥ ህዝቢታት ዘልዕሉዎም ናይ ለውጢ ሕቶታት መበገሲ ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ምዕሳል ሰላም፣ ልዕልነት ሕጊን ፍትሒን ከምኡ እውን ኣብ ምርግጋፅ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዝነኣድ ውፅኢት እናተርኣዩ ምዃኖም ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ብግደኦም፥ ፓርቲ ብልፅግና ዝምረሐሉ ኣምር መድማር ምርግጋፅ ማዕርነት ህዝቢታት ምዃኑ ገሊፆም።

ስልጠና እናወሰዱ ዝርከቡ ማእኸለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅና ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋን ክልል ሃረሪን፥ ካብቲ ስልጠና ዝረኸቡዎ ፍልጠት ኣብ በቢከባቢኦም ተግባራዊ ንኽገብሩን ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ናይ መሰረተ ልምዓት ሕቶታት ብግቡ ንኽምልሱን ክልቲኦም ርእሳነ ምምሕዳር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.