Fana: At a Speed of Life!

ባቡር ምድሪ አትዮ ጅቡቲን ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ብሓብር ምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባቡር ምድሪ አትዮ ጅቡቲን ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ብሓብር ምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ከቲሞም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ባቡር ዝረአ ምቑርራፅ  ሓይሊ ፀገም ብዋንነት ንምቕራፍ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት ዋና ኣፍፃሚ ስራሕ ባቡር ምድሪ ናይ ኢትዮጵያ ጅቡቲ ዶክተር ኣብዲ ዘነበን ዋና መካየዲ ስራሕ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣሽብር ባልቻ ክቲሞም።

ኣብ ክልቲኣን ትካላት ዝተግብረ ስምምዕነት ፅንኩር ርክብ  ብምፍጣር እቶም ፀገማት ብዘላቒነት ንምፍታሕ ዝዓለመ እንትኾን፤ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ  ኣብ ሓፂር ኣብ ማእኸላይን ኣብ ነዊሕን እዋን ዝፍትሑ ጉዳይ ምፍላዩ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ዝኸተሞም ዋና ኣፍፃሚ ስራሕ ምድሪ ባቡር ናይ ኢትዮጵያ ጅቡቲ ዶክትር ኣብዲ ዘነበ  ዝተግበረ ስምምዕነት ኣብ ባቡር እቲ መስመር ዝረአ ፀገም ምቑፅፃር ሓይሊ ዘተርፍ እዩ አሎም።

ከምእዉን ዋና መካየዲ ስራሕ  ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ኣሽብር ባልቻ፤ ብወገኖም እቶም ትካላት ርክብ ናብ ዝዓበየ ብርኪ ንምብፃሕን ዘለዎም ሃፍቲ ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ናይ ክቲአን  ትካላት ብሓባር ተዋዲዱ ምስራሕ  ንቲ ትካላት ኾነ ነቲ ሃገራት  ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.