Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኣምሓራ ተመሪቑ ብዕሊ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣክሲዮን ማህበር ባንኪ ኣምሓራ ሎሚ መዓንቲ ተመሪቑ ብዕሊ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣክሲዮን ማህበር ባንኪ ኣምሓራ ስነ ስርዓት ምረቓን መጀመሪ ስራሕን ሎመዓንቲ ለገሃር ኣብ ዝርከብ  ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ባንኪ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣመሓዳሪ ብሔራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፣  ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስትን ፃዊዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ኣካቢ ቦርዲ እቲ ባንኪ ኣይተ መላኩ ፈንታ ባንኪ ኣምሓራ ንሓደ ዓመትን ሰለስተ ኣዋርሕን ኣብ ዝገበሮ ዕድጊት ኣክስዮን 185 ሺሕ ኣክስዮናት ከምዘፍረየ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ እዋን 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ዝተፈረመን 5 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ዝተኸፈለ ካፒታል ከምዝተኣከበ ሓቢሮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.