Fana: At a Speed of Life!

ባየርሊቨርኩሰን ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ሻምፒዮን ቡንደስሊጋ ጀርመን ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊት ጋንታ ባየርሊቨርኩሰን ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ሻምፒዮን ቡንደስሊጋ ጀርመን ኮይና።

ኣብ መበል 29 ሰሙን እቲ ቡንድስሊጋ ንጋን ወርደር ብሬመን ዘተኣናገደት ጋንታ ሊቨርኩሰን÷ 5 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስዓራ ስዒቡ ምስ ተኸታሊታ ጋንታ ባየርን ሙኒክ ዘለዋ አፈላላይ ነጥቢ ናብ 16 ክተስፍሕ ክኢላ፡፡

በዚ ድማ 5 ፀወታታት ቡንደስሊጋ እናተረፉ ባየርሊቨርኩሰን ድሕሪ 120 ዓመታት ብዘይፅዋዕ እናቐፀለ ዝነበረ ጉዕዞ ንፈለማ እዋን ሻምፒዮን ቡንደስሊጋ ጀርመን 2023/24 ምዃና ኣረጋጊፃ፡፡

ቅድሚ እቲ ፀወታ ልዕሊ 10 ሺሕ ቀይሕን ፀሊምን ማሊያ ዝተኸደኑ ደገፍ እታ ጋንታ ተፃትቲ ናብ ስታዲየም እንትኣትዉ ንምቕባል ናብ ጎደና ዝወፅኡ እንትኾኑ÷ ናብ ስታዲየም ባየርሊቨርኩስን ዝወስድ ጎደና ቢስማርክ ብሽም ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ዣቪ ኣሎንሶ ተሰይሙ፡፡

ብ1904 ኣፍራዪ መድሓኒት ብዝኾነ ኩባንያ ኤ ጂ ሊቨርኩሰን ዝተመሰረተት እታ ጋንታ÷ ኣብ ቡንደስ ሊጋ ጀርመን 5 ግዘ ንፅዋዕ ተናሓናሒት ብምዃን ትቕረብ እምበር ፅዋዕ ክተዕውት አይከኣለትን ፀኒሓ፡፡

ባየርን ሊቨርኩሰን ኣብዚ ዓመት ሻምፒዮን ቡንደስሊጋ ካብ ምዃና ብተወሳኺ ኣብ ዩሮፓ ሊግ እናተሳተፈት እንትትከውን÷ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ሩብዒ ፍፃመ ንዌስትሃም 2 ን 0 ብምስዓር ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣስፊሓ ትርከብ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.