Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ስሩዕ ኣኼብኡ ከሳልጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ሻድሻይ ዓመት መበል ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ከሳልጥ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ኣብ ኣኼባ ዝተጓደሉ ኣከብቲ ቋሚ ኮሚቴታት ንምምዳብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ መርሚሮ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ዳይነት ግልግልን ሰርዓት ኣሰራርሓ ዕርቀ ሰላምን ንምድንጋግ፣ ርክብ ኣፍረይቲን መፍረይቲን ግብርና ንምውሳንን ረቂቕ ኣዋጅ መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብን መርሚሩ ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.