Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ክልል ደቡብ ስሩዕ ጉባኤኡ ምስላጥ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ክልል ደቡብ 5ይ ዙር 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ወይዘሮ ሄለን ደበበ፥ “ናይ ዘበናት ሕቶን ኒሕን ህዝቢታት ዝኾነ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ናብ ውፅኢት ምቅራቡን ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ብዓወት ምዝዛሙን እንኳዕ ደስ ኣሐጎሰኩም” ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ኣብ መገዲ ጥፍኣት ኣቲዮም ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ኩሉ ሕብረተሰብ ክቃለሶም ይግባእ ዝበላ እተን ኣፈ ጉባኤ፥ መንግስቲ ይኹን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ምሕላው ድሕንነት ዜጋታት ብንቕሓት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

መንግስቲ ኣብ ህንፀት ትካላት ብምርብራብ ዘላቒን ዘተኣማምንን ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ንኸረጋግፅ ፃውዒት ኣቕሪበን።

መንግስቲ እቲ ክልል ሕቶታት ውዳበ ህዝቢ ንምምላስ እናሰርሐ ምዃኑ ዝሓበራ ወይዘሮ ሄለን፥ ኣብ ከይዲ ዝረኣዩ ዘለዉ ኣፍረስቲ መልእኽቲታት ምምካት ይግባእ ምባለን ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ባይቶ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ፃንሒቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ አንፈታት ከቕምጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.