Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ዓመተ 2012 ዓ.ም ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉነበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2012 ዓ.ም ተዛቲዩ ኣፅዲቑ።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ከስዕቦ ዝኽእል ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ፥ ካብ ወፃኢ ሃገራት ብዝርከብ 28 ነጥቢ 3 ቢሊየንን ካብ ውሽጢ ዓዲ ብዝርከብ 20 ቢሊየንን ንምፅዋር ከምዝተተለመ ሚኒስትር ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር፥ መንግስቲ ናህሪ ዕዳጋ ከይፍጠር ጥንቃቐ ዝተመልኦ ከይዲ ልቓሕ ከምዝኽተል ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 9 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼቡኡ ንበጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ዝኸውን ተወሳኺ ብር 27 ነጥቢ 89 ቢሊየን ኮይኑ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምምርሑ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.