Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣወሃህባ ምላሽን ቀፀልቲ ስጉምቲታትን ለበዳ ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ዝቐረበ ፀብፃብን ምኽረ ሓሳብን መርሚሩ ንምፅዳቕ ህፁፅ ኣኼባ የሳልጥ ኣሎ

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣወሃህባ ምላሽን ቀፀልቲ ስጉምቲታትን ለበዳ ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ዝቐረበ ፀብፃብን ምኽረ ሓሳብን መርሚሩ ንምፅዳቕ ህፁፅ ኣኼባ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 4ይ ህፁፅ ኣኼብኡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የሳልጥ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቡ ከምዝዝቲ ትፅቢት ዝግበረሉ እቲ ባይቶ ውሳነታትን ሽመታትን እውን ከፅደቕ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝቐረቡ ሽመት ሚኒስትራት ከምኡ እውን ሽመት ዳያኑ ተመልኪቱ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ዶክተር ቀነዓ ያደታ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ
  2. ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴሪኢ
  3. ዶክተር ሳሙኤል ሁርቃቶ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፌዴሪኢ
  4. ኢንጅነር ታከለ ኡማ ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ፌደሪኢ ኮይኖም ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ እቲ ባይቶ ብግድኡ ነቶም ዝቐረቡ ሽመታት ብሓሙሽተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፀዲቑዎም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብተወሳኺ ሽመት 40 ሕፁያት ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሓሙሽተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ከምኡ እውን ሽመት 50 ሕፁያት ዳያኑ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ብሰለስተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂን ኣፅዲቑ ኣሎ።

እቶም ሓደሽቲ ዝተሸሙ ሚኒስትራትን ሕፁያት ዳያኑን፥ ኣብቲ ባይቶ ቀሪቦም ብፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ኣቢሎም ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ፥ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት መናእሰይ፣ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን፥ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ሃገራዊ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዘቕርቦ ምላሽን ቀፀልቲ ዘድሊዩ ስጉምቲታትን ብዝምልከት ዘቕረቦ ፀብፃብን ምኽረ ሓሳባን ኣድሂቦም ዘቕረቡዎ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ሽመት ኽፁያት ሚኒስትራትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን መርሚሩ ከምዘፅድቕ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ፌዴራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ባንኪ ኤክስፖርት-ኢምፖርት ኮሪያን ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ እውን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሞንጎ ፌዴራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ባንኪ ኤ.ኤስ ዳንስኬን ንመፈፀሚ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንፋስ ኣሰላ ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ከምዘፅድቕ እውን ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.