Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክቲታት ልምዓት መፈፀሚ ዝውዕሉ ኣርባዕተ ሰነዳት ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ።

እቶም ስምምዓት ልቓሕ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝገበረቶም ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ መሰረት ኢኮኖሚ ንምባር፣ ንኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ዘይተማእኸለ ኣቕርቦት ኤሌክትሪክን መብራህቲን ፕሮጀክቲታት መፈፀሚ ዝውዕሉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ንፍትሓዊ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኩለ መዳይ ምዕባለ ተረባሕነት መርሃ ገብሪ ዝውዕሉ ኢዮም።

ኣብቲ ባይቶ ሓጋዚ ተፀዋዒ መንግስቲን ሚኒስትር ዴኤታን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፥ እቶም ልቓሕቲ ካብ ወለድ ናፃ ምዃኖም ብምግላፅ ፕሮጀክቲታት በምድጋፍ ዘለዎም ግደን ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ፥ እቶም ስምምዕነታት ልቓሕ ምስ ስትራቴጂ ምምሕዳር ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝጠዓዓሙን ፅዕንቶኦም ትሑትን ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስለዝኾነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቶም ዝተፈላለዩ ሰነዳት ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.