Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት ቀዳማይ ፍሉይ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት ቀዳማይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ኣኼባ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተረኺቦም ኣለዉ።
እቲ ባይቶ ፕሬዚደንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ መኸፈቲ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ ዘቕረብኦ መኽፈቲ መደረ ተመርኲዞም ብዝቐርቡ ሕቶታት ብዝምልከት ቅዋም መንግስቲ ብምድማፅ ሞሽን ድጋፍ ከፅድቕ ኢዩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.