Fana: At a Speed of Life!

ቤተ ምፃሕፍቲ ኣብርሆት ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤተ ምፃሕፍቲ ኣብርሆት ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ተመሪቑ ተኸፊቱ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 4 ኪሎ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ብዘበናዊ መልክዑ ዝተሃነፀ እቲ ቤተ መፃሕፍቲ፥ ባህሊ ምንባብ ንምድንፋዕ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ነቲ ቤተ መፃሕፍቲ መሪቖም ዝኸፈቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ፍልጠት ካብ ድንቁርና ናፃ ዘውፅእ መገዲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ዝተመረቐ ቤተ መፃሕፍቲ ብዙሓት ዝተቖላለፉ መገዲታት ቁልፊ መፍትሒ ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብምኽንያት ድንቁርና ሃገሮም ዝወግኡን ንፀላእቲ ተለኣኣኽ ዝኾኑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

“መሰል ፀገማት ከይፍጠሩ ፍልጠት የድሊ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ንምዕት ድማ ቤተ መፃሕፍቲ ወሰንቲ ኢዮም” ኢሎም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ 10 ኣቢያተ መፃሕፍቲ ሓደ ከምዝኾነ ዝተነገረሉ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት፥ ብኣርባዕተ ደብሪታት ተኸፊሉ ኣብ ውሽጡ 1 ንጥቢ 4 ሚሊየን መፃሕፍቲ ዝሕዝ መደርደሪ ዝተገጠመሉ ኢዩ፡

ልዕሊ 240 ሺሕ ዝኾኑ ወረቐት ኣልቦ መፃሕፍቲን 300 ሺሕ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

ንህፃናት መንበቢ ዝኸውን ቦታ ሓዊሱ ናይ ዓይነ ስዉራን መንበቢ ቦታን ብሬል መፃሕፍቲን ይርከቡዎ፡፡

ኣምፊ ቲያትርን መፃወቲ ስፍራን ከምኡ እውን ልዕሊ 120 ሰባት ከተኣናግድ ዝኽእል መእከቢ ኣዳራሽ፣ መመገቢ ካፌ፣ ሸመንተ ናይ መፃሕፍቲን ተተሓሓዝቲ ኣገልግሎት መውሃቢ ሹቓት ዝርከቡዎ ቤተ መፃሕፍቲ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.