Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኤጀንሲ ምገባ ተምሃሮ ንኽጣየሽ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኤጀንሲ ምገባ ተምሃሮ ንኽጣየሽ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ካብ ሎሚ መዓለቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ 7ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ እናካየደ ይርከብ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ ድማ ኤጀንሲ ምገባ ተምሃሮ ንኽጣየሽ ዝቐረበ ረቂቕ ሰነድ ኣፅዲቑዎ ኣሎ።

ከም ብሓዱሽ ዝጣየሽ እቲ ኤጀንሲ፥ ተፀዋዕነቱ ንከንቲባ ኮይኑ ብቦርድ ከምዝመሓደርን ዳይሬክተርን ምክትል ዳይሬክተርን ከምዝሽየመሉን ተገሊፁ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ምጥያሽ እቲ ኤጀንሲ ኣግባብ ከምዝኾነን ክሳብ ሕዚ ክዝንግዕ ከምዘይነበሮን ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣኼባ፥ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም በቲ ከተማ ምምሕዳር ዝተመረፁ ክልተ ቢሮታትን ነቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላትን ኣድሚፁ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ከተማ ምምሕዳር ኣብዚ ዓመት ን600 ሺሕ ዝኾኑ ተምሃሮ ድቪዛ (ዩኒፎርም)ን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣቕሑት መውሃቢ ሓገዝ ትምህርቲን ዘቕረበ እንትኸውን፥ ን300 ሺሕ ተምሃሮ ድማ ተረባሕቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ።

እቲ ኣዋጅ ምፅዳቑ ድማ ቅድሚ ሕዚ ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ኣካላት እናተሰርሐ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ምገባ ተምሃሮ ትካላዊ ንምግባር ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ኣብ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ፥ በቲ ከተማ ምምሕዳር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ዋላኳ እንተኾኑ ኣብ ቀፃሊ ብዕቱብ ክስረሐሎም ዝግብኡ ስራሕቲ ምህላዎም ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሰናይ ምምሕዳርን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሓዊሱ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ምምሕያሽ ናብራን ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም በቲ ከተማ ምምሕዳር ዝተመረፁ ክልተ ቢሮታትን ነቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላትን ኣድሚፁ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዝተፈላለዩ ፍሉያት ሽመታት ቀሪቦም ዘተ ምስተገበረሎም ከምዝፀድቁ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.