Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ረቂቅ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብምፅዳቕ ጉባኤኡ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ 5ይ ዘመን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ ረቂቅ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ካልኦት ኣዋጃትን ብምፅዳቕ ኣኼቡኡ ዛዚሙ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣብ አጠቃቅማ ምሕደራ መሬትን ፕላን ከተማን ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ ዝተሰናደአ ረቂቅ ኣዋጅ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳይ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣይተ ተካ መንገሻ ከምዝበልዎ፥ ንነዊሕ ዓመታት ክቀርብ ዝፀንሐ ሕቶ መሬት ንምፍታሕ ዝተወደበ ሓይሊ ሰብ ከምዘድሊ እዩ።

እቲ ዝቀረበ ረቂቅ ኣዋጅ ኣብ ጉዳይ መሬት ንዝቐርቡ ጥርዓናት ምላሽ ክህብ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበርን ኣብ ምሕደራ መሬት ዘሎ ኣሰራርሓ ንምዝማን ጠመተ ከምዝተውሃበሉን ኣብሪሆም።

ብምክንያት ልምዓት ካብ መሬቶም ዝለዓሉ ሓረስቶት እኹል ካሕሳ ይረኽቡ ከምዘይነበሩ ዝገለፁ እቶም ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ሓረስቶት ትግራይ ብተመጣጣኒ ካሕሳ ክረኽቡ ቀዳምነት ዝህብ ኣዋጅ እዩ ኢሎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ፥ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ሓዊሱ ሸሞንተ ኣዋጃት ኣፅዲቑ ኢዩ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል፥ ኣብቶም ዝፀደቑ ረቂቕ ኣዋጃት ኣድሂቦም ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም ኢዮም።

እቲ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፥ ሽመት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ 30 ሓደሽቲ ዳያኑ፣ ሓደ ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ኣርባዕተ ሬጂስትራራትን ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።

ፍልፍል፦ ኤመሓት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.