Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 3ይ ስሩዕ 6ይ ዘበን ስራሕ 2ይ ዓመት ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ፥ ናብራን ተረባሕነትን ህዝቢ ካብ መሰረቱ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ቅልጡፍ፣ ዘላቒን ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ልምዓት ብምፍልፋል ውፅኢታዊ ንኽኾኑ ዘኽእሉ ውዳበታን ኣሰራርሓታትን ኣብ ምዝርጋሕ እናሰርሐ ምፅንሑ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ንህዝቢ ዝረብሑ ልምዓት ከተማታት ንምክያድ ብመሰረት ዕቤት ከተማታት እቲ ክልል ብዙሓ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝሓበረ እቲ ክልል፥ ዘበናን ተወዳደርቲን ከተማታት ንምፍጣር ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ብምቁፅፃር ኣብ ከተማታት ዝረአዩ ዝተሓላለኹ ኩነታታት ንምምሕዳር ውዳበታ እናተመሓየሹን እናተፈተሸን ክኸዱ ከምዝግባእን ገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ከተማታት ዘለወን ፅቡቕ ዕድል ናብ ሓደ ብምምፃእ ሓረን ክለምዓን ሓበራዊ ዕላማ ንኽህልወንን፣ ኣብ ሓደ ፕላን ብምምሕዳር ኩለመዳይ ምዕባለ ንኽህልወን፣ ጥንኩር ዕቤት ኢኮኖሚ ሃሊዩወን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ሞያ ንምስፍሕፋሕ፣ ኣተሓሳስባ ቢዝነስ ንምድንፋዕን ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ክልተን ልዕሊኡን ከተማታት ኣብ ሓደ ንምውዳብ ኣድላዪ ኮይኑ ብምርካቡ ንምምሕዳር ብዝምቹ መልክዑ ውዳበ ከተማታት ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ፦

  1. ከተማ ቢሾፍቱ፡ ከተማ ቢሾፍቱ፣ ከተማ ዱከም ከምኡ እውን ከተማታት ቤት መዘጋጃ ሂዲ፣ ኡዴ ደንካካን ድሬን ብምሕዋስ ብ3 ክ/ከተማታትን 10 ወረዳታትን ንኽውደባ ተገይሩ፤
  2. ከተማ ሻሸመኔ፡ ከተማ ሻሸመኔን ከተማ ብሻን ጉራቻ ብምሕዋስ 4 ክ/ከተማታትን 12 ወረዳታትን ንኽውደባ ተገይሩ፤
  3. ከተማ ኣዳማ፡ ከተማ ኣዳማን ከተማ ወንጂን ብምሕዋስ ብ6 ክ/ከተማታትን 19 ወረዳታትን ክውደባ ተገይሩ፤
  4. ከተማ ሮቤ፡ ከተማ ሮቤን ከተማ ጎባን ብምሕዋስ ብ3 ክ/ከተማታትን 12 ቀበሌን ክውደባ ተገይሩ፤
  5. ከተማ ማያ፡ ከተማ ሃረማያ፣ ከተማ ኣወዳይን ከተማ ኣዴሌ ብምሕዋስ ብ3 ክ/ከተማታትን 12 ቀበሌታትን ክውደባ ተገይሩ፤
  6. ከተማ ባቱ፡ ከተማ ባቱን ከተማ ኣዳሚ ቱሉን ብምሕዋስ ብ7 ቀበሌታት ንኽውደባ ተገይሩ፤

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፥ ናይ ምልማዕ ዕድል ዘለወን ከተማታት ብዝተማለአ መገዲ ብምጥቃም ኩለመዳይ ዝኾነ ቅልጡፍ ልምዓት ከመዝግባ ንምግባር ከምኡ እውን ኣብ ከባቢአን ዘለዋ ከተማታትን ወረዳታትን ልምዓት ንኸቀላጥፋን ትኹረት ኣመራርሓ ንክረኽባን ቀፂለን ዘለዋ ከተማታት ተፀዋዕነተን ንመንግስቲ እቲ ክልል ክኾና ተወሲኑ፡፡

  1. ከተማ መቱ
  2. ከተማ ኣጋሮ
  3. ከተማ ቡሌ ሆራ
  4. ከተማ ነጆ
  5. ከተማ ሰንዳፋ በኬ
  6. ከተማ ሸኖ
  7. ከተማ ሞያሌ
  8. ከተማ ዶዶላ
  9. ከተማ ሻክሶ

ካብዚ ብተወሳኺ እናመፅአ ዝርከብ ዕቤት ከተማታት መሰረት ብምግባር ኣወዳድባ ከተማታት ከምዚ ዝስዕብ ምምሕያሽ ንኽግበር ተወሲኑ።

  1. ከተማታት ኣዳማ፣ ሻሻመኔን ቢሾፍቱን፡- ከተማ ሬጂዮ-ፖሊስ
  2. ከተማታት ሮቤ ከተማን ማያ ፡- ዋና ከተማ
  3. ከተማታት መቱ፣ ኣጋሮ፣ ቡሌ ሆራ፣ ነጆ፣ ሰንዳፋ በኬ፣ ሞያሌን ሻክሶ ፣- ናብ ዝዓበያ ከተማነት ንኽዓብያ ተወሲኑ።

ብኻሊእ መዳይ ንነዊሕ እዋን እናቐረበ ዝፀንሐ ሕቶ ልምዓት፣ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳር ብምምላስ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ንምምዝጋብ ውፅኢታዊ ዝኾነ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ዞባ ምብራቕ ቦረና ሓዱሽ ዞባ ኮይኑ ንኽውደብ ተወሲኑ፡፡

ብሓዱሽ መልክዑ መበል 21 ዞባ ኮይኑ ዝተወደበ ዞባ ምብራቕ ቦረና ዋና ከተሙኡ ነጌሌ ቦረና ኮይኑ፡-

  • ካብ ዞባ ቦረና ወረዳ ሞያሌ፣ ከተማ ሞያሌ፣ ወረዳ ጉቺን ወረዳ ዋችሌ፣
  • ካብ ዞባ ጉጂ ወረዳ ሊበን ፣ ወረዳ ጉሚ ኤልደሎ ፣ ከተማ ነጌሌ ቦረናን፣
  • ከምኡ እውን ካብ ዞባ ባሌ ወረዳ መደወላቡ ፣ ወረዳ ኦቦርሶን ወረዳ ሃረና ቡሉቅን ብምውሳኽ ከም ዞባ 10 ወረዳታት ብመሓዝ ክውደብ ተገይሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.