Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ክልል ደቡብ ኣብ ክልተ ኣጀንዳታት ተዛትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

አዲስ አበባ ፣ መጋቢት 2 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ክልል ደቡብ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ክልተ ኣጀንዳታት ተዛትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ብምምርማር ንኽፀድቁ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ 47 ፕጀክታት ዘፈር ሕርሻ፣ ምፍራይን ኢንዱስትሪን ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

እቶም ፕሮጀክታት ብመንፅር ዘለዎም ረብሓ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝቐረቡ ፕሮጀክታት ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩ ተኣሚኑሎም ብፍሉይ ቆላሕታ ክስርሑ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ክልል መዋእለ ንዋዮም ንዘፍስሱ ሰብ ሃፍቲ ምዕሩይ ኩነታት ብምፍጣር፥ ኣብ ምብርትታዕ እቲ ዓውዲ ትኹረት ክግበር ከምዝግባእ እውን እቲ ካቢኔ ብዝርዝር ተመልኪቱ።

እቲ ካቢኔ ካብዚ ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ስፖርት እቲ ክልል ንምጥያሽ ዝቐረበ ደምቢ ከምዘፅደቐ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.