Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ባህሊ ዕርቂ፣ ሰላም ሕውነትን ሓድነትን ዝኾነ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ብሄራት፣ ብሄረሰብታን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

በዓል ኢሬቻ እዋን ክረምቲ ሓሊፉን ምምላእ ማይ ጎዲሉን ፀርዩ ዝወርደሉ፣ ውሕጅ ሃዲኡ ዝፀርየሉ፣ ሁቦብላን ቁሪን ጠፊኡ ብውቁብን ብሩህን ብርሃን ዝደምቀሉ፣ ኣዝመራ ዘዝሽውተሉ፣ እንስሳት ዝዕንድራሉ ኣዕዋፍ ዝዝምራሉ እዋን ብምዃኑ÷ ናብዚ ንዘብቀዐ ፈጣሪ ምስጋና ዝቐርበሉ በዓል ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መልእኽቱ÷ በዓል ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሕውነትን ምትሕብባርን በዓል ንኽኸውን ተመኒዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.