Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽ ሚኒስትራት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ግዘ ተፈፃምነቱ ንኸሓፅር ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ህልውናን ሉኣላውነትን ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቁፅሪ 5/2014 ተራፊ ኣብ ዝኾነሉ ውሳነ ሓሳብ ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ህወሓትን ተሓባበርቱን ኣብ ሉኣላውነትን ህልውናን ሃገር ልዑል ሓደጋ ዘንፀላለዉ ስለዝኾኑን እቲ ሓደጋ ብስሩዕ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ምክልኻል ዘይከኣል ኮይኑ ብምርካቡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቁፅሪ 5/2014 ዝኣወጀ እንትኸውን፥ እቲ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ብኣዋጅ ቁፅሪ 126/2014 ፀዲቑ ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ ይፍለጥ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምውፃእ ናይ ግድን ኣድላዪ ክኸውን ገይሩ ዝነበረሉ ኩነታት ዝተቐየረ ብምዃኑን እቲ ስግኣት ብስሩዕ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ምክልኻል ምቁፅፃርን ዝከኣለሉ ብርኪ ብምብፅሑን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ግዘ ተፈፃምነቱ ምሕፃር ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኢሉ።

ስለዝኾነ እቲ ገደብ እዋን ቅድሚ ምዝዛሙ እቲ ኣዋጅ ንምእዋጅ ምኽንያት ዝኾኑ ኩነታታት እንተተቐይሮምን ብስሩዕ ስርዓት ምኽባር ሕጊ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ጉዳያት ምቁፅፃር ይከኣል ኢዩ ኢሉ እንተኣሚኑ ሽዱሽተ ወርሒ እንተይተዛዘመ እዋኑ ናይ ምሕፃር ስልጣን ዘለዎ ብምዃኑ፥ ተፈፃምነት እቲ ኣዋጅ ንኽቐሪ ውሳነ ሓሳብ ቀሪቡ ቤት ምኽ ሚኒስትራት ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ብዕምቆት ተዛቲዩ ብምፅቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ወሲኑ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.