Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ በዓል ዋና ሙለር ሪልስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብ100 ሺሕ ብር ውሕስና ንክወፅኡ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ በዓል ዋና ሙለር ሪልስቴት ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብ100 ሺሕ ብር ዋሕስ ንክወፅኡ ፈቒዱ።

ኣብ ትሕቲ ናቶም መዝገብ ዘለዉ ከልተ ተጠርጠርቲ ድማ 30 ሺሕ ብር ዋሕስ ብምትሓዝ ንክወፅኡ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ ኣዚዙ።

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ እኹል መረዳእታ ዘይምእካቡ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊፁ።

ዝተጠርጠርሉ ገበን ዋሕስ ዘየኸልክል ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታውን ናፅነት ተጠርጠርቲ ንኸይዕገትን ከምኡውን ዜጋታት ኣብ ስርዓት ፍትሒ እምነት ንክህልዎም ንምግባር ኢዩ እቲ ውሕስና ዝተፈቐደ ተባሂሉ።

ይኹን እንበር እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ሃገር ንከይወፅኡ እግድ ኣንቢሩ ኢዩ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.