Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ባልደራስ ቦርድ መረፃ ዝሃቦ ውሳነ ክፀንዕ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ፍርዲ ኣቦ መንበር ፓርቲ ባልደራስ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ቤት ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ኣብ ዝቕፅል መረፃ ክወዳደሩ የብሎምን ኢሉ ቦርድ መረፃ ዝሃቦ ውሳነ ክፀንዕ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል 1ይ መጋባእያ ጉዳያት መረፃ ዘፅነዖ እንትኸውን፥ ቦርድ መረፃ ዝሃቦ ውሳነ ብሙሉእ ድምፂ ክፀንዕ ምውሳኑ ተገሊፁ።

ፓርቲ ባልደራስ ኣቦ መንበሩ እስክንድር ነጋ፣ ስንታየሁ ቸኮልን ቀለብ ስዩምን ሓዊሱ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣራርሓታት ናብ ዝቕፅል መረፃ ሕፁያት ኮይኖም ይቕረቡለይ ኢሉ ዘቕረቦ ሕቶ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተቐባልነት እንተይረኸበ ምትራፉ ስዒቡ እቲ ፓርቲ ይግበአኒ ሓቲቱ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ 1ይ መጋባእያ ጉዳያት መረፃ እቲ ፓርቲ ይግበአኒ ምሕታቱ ስዒቡ እቲ ቦርድ ምላሽ ሂቡሉ።

ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ እቶም ኣመራርሓታት ሕፁያት ኮይኖም እንተተመዝጊቦም ብቐጥታ መሰል ዘይምኽሳስ ስለዝህልዎምን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ንመረፃ ሕፁያት ኮይኖም ከይምዝገቡ ሕጊ መረፃ ኢትዮጵያን መምርሒ ቦርድ መረፃን ክልከላ ኣንቢሩ ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ሕፁያት ኮይኖም ከይዝገቡ ክብል ውሳነ ሂቡ ነይሩ፤ ይግበአኒ እቲ ፓርቲን ምላሽ ቦርድ መረፃን ዝመርመረ እቲ መጋባእያ ብኣብዘሓ ድምፂ ውሳነ ቦርድ መረፃ ግቡእ አዩ ክብል ኣፅኒዑዎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.