Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ሙዜም ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንበፃሕቲ ዕፁው ክኸውን ኢዩ – በዓል መዚ ሓለዋን መፅናዕቲን ሓድጊታት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ሙዜም ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንበፃሕቲ ዕፁው ከምዝኸውን በዓል መዚ ሓለዋን መፅናዕቲን ሓድጊታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓ መዚ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፁ ከምዝፀሓፎ፥ እቲ ሙዜም ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ስዒቡ ካብ ሎሚ መዓልቲ 8 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝቕፅሉ 15 መዓልቲታት ንበፃሕቲ ከምዝዕፆ ኢዩ።

እቲ በዓል መዚ ከምዝሓበሮ፥ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትጵያን ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢን ዝህቡዎ እዋናዊ መግለፂ እናተኸታተለ ኣብ ቀፃሊ ዝህሉ ለውጢ ከፍልጥ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስ ኮረና ካብ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንዝቕፅሉ 15 መዓልታት ብብርኪ ሃገር ኣብያተ ትምህርቲ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ኣኼባታትን ከምዝዕፀዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.