Fana: At a Speed of Life!

ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ላዕለዎት መኮንናት ኢትዮጵያ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት ይገብር ኣሎ።

እቲ ልኡኽ፥ ምስ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ፕዚዳንት፣ ሚኒስትር ምክልኻል ፈረንሳይ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢን ኢታማዦር ሹምን ፈረንሳይ ከምዝዛተ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲታት ሓይሊ ኣየርን ባሕሪን ዝወሃብ ስልጠና ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ኣቑሑት ብዝምልከት ዘለወን ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ንምዝታይ ዝግበር ዘሎ ዑደት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.