Fana: At a Speed of Life!

ብምኽኒያት ኲናት ዝተስኣኑ ፍሪያት ንምክሕሓስ ትልሚ እዋን ቅልውላው ተግባራዊ ክኸውን ኢዩ-ሚኒስቴር ግብርና

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብምኽኒያት ኲናት ዝተስኣኑ ፍሪያት ንምክሕሓስ ትልሚ እዋን ቅልውላው ተግባራዊ ክኸውን ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ዓውዲ ልምዓት ሕርሻን ሆርቲካልቸርን እቲ ሚኒስቴር ዶክተር መለሰ መኮንን፥ ብምኽኒያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ምትእጉጓል ፍሪያት ከምዘጋጠመ ተዛሪቦም።

ሓረስቶት ዝሰኣንዎ ፍሪያትን እንስሳትን ንምክሕሓስ ዘኽእል ትልሚ እዋን ቅልውላው ተግባራዊ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ብምኽኒያት እቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ሓረስቶት ከባቢኦም ናፃ ኮይኑ ስራሕቲ ሕርሸኦም ምክያድ ስለዘይኽአሉ ከም ክልላት ይኹን ሃገር ነቲ ኩነታት ዘገናዘበ ትልሚ ይሰናዳእ ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ኢፕድ ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.