Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ዘጋጠመ ድርቂ ንፀገም ከምዝተቓልዑ ነበርቲ ዞባ ቦረና ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ዘጋጠመ ድርቂ ንፀገም ሕፅት ማይ፣ ምግቢን ጥዕናን ከምዝተቓልዑ ነበርቲ ዞባ ቦረና ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ክረምታዊ ዝናብ 2013 ዓ.ም ውሑድ ዘይምዃኑን ኣብ ክረምታዊ 2014 ዓ.ም ብእዋኑ ብዘይምዝናቡን ምኅንያት ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳትን ጉድኣት እናበፅሐ ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ቦረና ኣይተ ሬባ ኦዳ ገሊፆም።

በቲ ዘጋጠመ ድርቂ 539 ሺሕን 679 ዝኾ ክፋላት ሕብረተሰብ ሕፅረት ማይ ከምዘጋጠሞም ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 539 ሺሕን 553 ንዝኾኑ ሰባት ጥራሕ ብቦቴ ማይ ክረኽቡ ምግባር ከምዝተኸኣለ ኣብሪሆም።

ክሳብ ሕዚ ብዝበፅሐ ሕፅረት ምግቢ 6 ሺሕን 398 ህፃናት፣ 9 ሺሕ ኣዴታትን 2 ሺሕን 226 ሽማግለታትን ፀገም ጥዕና ከምዝተርኣየ ገሊፆም።

ብምኽንያት እቲ ድርቂ 7 ሺሕን 540 ከፍቲ ዝሞታ እንትኾና፥ 13 ሺሕን 641 ዝኾና ድማ ብሓገዝ ሰብ ዝንቀሳቐሳ ከምዝኾና ተዛሪቦም።

እተን እንስሳታት ካብቲ ሓደጋ ንምትራፍ 2 ሚሊየን 463 ሺሕን 241 ቤል ሳዕሪ ካብ መንግስቲ ተሓቲቱ ኢሎመ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.