Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝግበር ብሄራዊ ምንቅስቓስ ደገፍ ምክልኻል ኮቪድ 19 ክሳተፉ ንዝደሊዩ ኣካላት ሙሉእ ሓበሬታ ባንኪታት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝግበር ብሄራዊ ምንቅስቓስ ደገፍ ምክልኻል ኮቪድ 19 ክሳተፉ ንዝደሊዩ ኣካላት ሙሉእ ሓበሬታ ባንኪታት ዕላዊ ኮይኑ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምክልኻል ሃንደበታዊ ኩነታት ኮቪድ-19 ዝውዕል ገንዘብን ካልኦት ቀረባትን ዘተኣኻኽብ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣተኣኻኸቢ ኣቕርቦት ምጥያሾም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ፓርቲ ብልፅግና ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝውዕል 100 ሚሊየን ብር ንምልጋስ ኣብ ቀረባ እዋን ቃል ዝኣተወ እንትኸውን፥ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ትማሊ ኣታዊ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ብብርኪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ምትእኽኻብ እቶት እውን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተውፃእፅአ 10 ሚሊየን ብር ትማሊ ኣታዊ ኮይኑ ኢዩ።

ብድምር ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝግበር ዘሎ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ደገፍ ምክልኻል ኮቪድ 19 ክሳተፉ ንዝደሊዩ ኣካላት ዘድሊ ገንዘብ ይኹን ካልኦት ሓገዛት ኣታዊ ንምግባር ክጥቀሙሎም ዝግባእ ሙሉእ ሓበሬታ ባንኪታት ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ሓበሬታ ብምጥቃም ዘድሊ ሓገዝ ምግባር ይከኣል ኢዩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.