Fana: At a Speed of Life!

ብቫይረስ ኮሮና ንዝተጎድኡ ተዋሳእቲ ዓውዲ ቱሪዝም ንምሕጋዝ ዓውደ ምርኢት ስእሊ ኦንላይን ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኮቪድ-19 ዝተጎድኡ ተዋሳእቲ ዓውዲ ቱሪዝም ንምሕጋዝ ዝዓለመ ዓውደ ምርኢት ስእሊ ኦንላይን ተግባራዊ ከምዝገብር ማሕበር ሆቴልን ማርኬቲንግን ኢትጵያ ገሊፁ።

ብምግባር ልዕሊ ብር 70 ሚሊየን ንምእካብ ከምዝተተለመ ተገሊፁ

እቲ ማሕበር ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኣፍሪካ ዝኣትዉ በጻሕቲ ኣዲ ወፃኢ ፓኬጅ ቱሪስት እናዳለወ ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።

ናብረኦም በፃሕቲ ዓዲ ኣብ ምትእንጋድ ጥራሕ ዝተመርኮዘ መባፅሕቲ ቱሪዝም ከባቢታት፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብልዑል ኩነታት ከምዝተጎድኡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣይተ ታዴዎስ ክንፉ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ካብ ዝበፅሖም ጉድኣት ዝቕንሱሉ ዓውደ ምርኢት ስእሊ ኦንላይን ንምድላው ምስ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም።

እቲ ዓውደ ምርኢት ንምስንዳእ ዘኸእል መተግበሪ ድማ 80 ሚኢታዊ ስርሑ ከምዝተዛዘመ ዝገለፁ ኣይተ ታዴዎስ፥ ንሓደ ዓመት ከምዝፀንሕን ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ክፍሊት እናፈፀሙ ኣብቲ ኣውደ ምርኢት ዝሳተፉሉ ስርዓት ከምዝኾነን ኣገንዚቦም።

እቲ ማሕበር ብመሰረት ዝገበሮ መፅናዕቲ ካብቲ ዓውደ ምርኢት ልዕሊ ብር 70 ሚሊየን ንምእካብ ከምዝተሓሰበ ገሊፆም።

ዝተረኸበ ኣታዊ ድማ መሰረተ ልምዓት ንምዝርጋሕን በቲ ለበዳ ዝተጎድኡ ኣካላት ጉድኣቶም ንምቅላልን ከምዝውዕል ኣይተ ታዴዎስ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.