Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፌዴሬሽናት ስፖርት ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ከተማ መቐለ ኣትዩ።

ካብ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ፣ ካብ ፌደሬሽን ሓመሳ ኢትዮጵያን ካብ ፌዴሬሽን ዳርት ኢትዮጵያን ዝተውፃእፅ ፈፀምቲ ስራሕን ፕሬዚዳንታትን ዘካተተ ልኡኽ ኢዩ፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሕ÷ ብግዚያዊ መተሓባበሪ ማሕበራዊ ክላስተር ክልል ትግራይ ክንድያ ገብረህይወት (ፕ/ር) ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ብሄራዊ ስታዲየም መቐለ ብምርካብ ኣብ እዋን ኲናት ዘጋጠሙ ንምግምጋምን ኣብ ቀፃሊ ኣድላዪ ፅገና ተገይሩ ከም ሃገር ዘሎ ፀገም ስታዲየም ንምፍታሕ ክመዓራረ ምይይጥ ተገይሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.