Fana: At a Speed of Life!

ብዛዕባ ሕማም ኮሌካ/ሸሮኽ እንታይ ትፈልጡ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ሸሮኽ ምስ ፅሬቱ ዘይሓለወ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድሪ፣ ኣመጋግባን ዝኽሰትን ውፅኣት ብምስዓብ ክሳብ ሞት ዘበፅሕን ተመሓላላፊ ሕማም ኢዩ።

ምልክታት ንምርኣይን ኣብ ሰብ ዝህሉ ተቓላዓይነት ንምውሳኽን ካብ 2 ሰዓት ክሳብ 3 መዓልታት ጥራሕ ይፀንሕ።

ካብቲ ምልክታት ዘርኣየ ይኹን ዘየርኣየ ተሸካሚ ታህዋስ ኮሌራ ዝኾነ ሰብ ናብ ካሊእ ሰብ ንምምሕልላፍ ናይ 2 ሰሙን ዕድል ጥራሕ ኣለዎ።

ቀንዲ ምልክታት ሕማም ሸሮኽ ወይ ኮሌራ፦

  • ቃንዛ ዘይብሉ ማያዊ ውፅኣት/ተቕማጥ፣
  • ተምላስ ኢዮም።
  • ነቶም ምልክታት ስዒቦም ምቑርቋር ዓይኒ፣ ምቕናስ ሽንቲን ቅርጥማትን ዝብሉ ምልክታት ኣብቲ ተሸካሚ ታህዋስ ኮሌራ ዝኾነ ሰብ እውን ይረኣዩ።

በቲ ሕማም ናይ ዝተለኸፈ ሰብ ተምላስ ወይ ውፅኣት ዝተንከፈ ሰብ ኢዱ ብሳሙናን ማይን ከይተሓፀበ ኣፉ እንተነኺኡን ብኢዱ ኣቢሉ እንተተመጊቡን በቲ ሕማም ከምዝተሓዝ ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልፁ።

ብተወሳኺ ሃመማ ካብቲ ዝሓመመ ሰብ ተበጊሱ ናብ ምግቢ እንተዓሪፉ፣ በቲ ባክተሪያ ዝተበከለ ማይ ምስታይ፣ ብዝተበከለ ማይ ዝሕፀቡ ኣሕምልቲን ፍራምረን ምምጋብ፣ በቲ ኮሌራ ዝተበከለ ሰገራ ከም ዱኽዒ ብምጥቃም ዝባፅሑ ኣሕምልቲ ከየብሰልካ ምጥቃም፣ ብዝተበከለ ማይ ኣቢሉ ዝዳሎ “ጀላቲ” ቀንዲ መመሓላለፍቲ መገዲታት ኢዮም።

ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቱ ናይ ዝሰኣነ ሰብ ኣብ ግንዘት፣ ስርዓተ ቀብሪ ይኹን ብካልእ መገዲ ምንኽኻእ እንተሃሊዩ እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ንክመሓላለፍ ልዑል ዕድል ኣለዎ።

ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ፦

  • መጥበውቲ ኣዴታት፥ ንውላደን ጡብ ቅድሚ ምሃበን ብሳሙናን ማይን ኣቢለን ኣጥባተን ክሓፅባ ይግባእ።
  • ናይቲ ሕማም ምልክታት ዝተርኣየሎም ሰባት ብህፁፅ ኣብ ቀረበኦም ናብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ክኸዱ ኣለዎም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.