Fana: At a Speed of Life!

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ምእመናን ፆመ ፍልሰታ ንሃገር ሰላም ብምፅላይ ንከሕልፎ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

አዲስ አበባ፤ ሐምሌ 29፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ፥ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፆመ ፍልሰታ ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ንሃገር ሰላምን ሓድነትን ብምፅላይን ንከሕልፎዎ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንዘለዉ ኣመንቲ ፆመ ፍልሰታ ዓመተ 2013  ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ን16 መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ እቲ ፆም ፀሎትን ምህለላን ንክግበር ብሲኖዶስ ከምዝተወሰነ እውን ገሊፆም።

ብመሰረት ድንጋገ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ዝፅወሙ ሸውዓተ ኣፅዋማት ጾመ ፍልሰታ ለማርያም እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣዘኻኺሮም።

ፆመ ፍልሰታ ሰዓብቲ እቲ እምነት ዝኾኑ ሽማግለታት፣ ህፃናትን መናእሰይን ብተውህቦን መንፈሳዊ ስምዒትን በረከትን ረድኤትን ንምርካብ ዝፆምዎ ከምዝኾነ ዝተፈለየ ከምዝገብሮ እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ ፆም ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝ፣ ዝጠመዩ በምዕንጋልን ዝሓዘኑ ብምፅንዕናዕን ክኸውን ከምዝግባእ መግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ፆመ ፍልሰታ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሮም ብፆምን ፀሎትን ን16 መዓልታት ፈጣሪኦም ብምልማን ዘሕልፍዎ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.