Fana: At a Speed of Life!

ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ዓለም ባንኪ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ማኔጂንግ ኣክሴል ቫን ትሮትሴበርግን ምክትል ፕሬዚዳንት ምብራቅን ደቡባዊን ኣፍሪካ እቲ ባንኪ ሃፊዝ ግሀኔም ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ተዛቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ዝተዳኸመ ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚ ንምንቕቓሕ ዓሊሙ ብተበግሶ ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ላይ ንምስታፍ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ዓለም ብእትረኽቦ ደገፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ዘሎ ኣፈፃፅማ ገለፃ ከምዝተገበረ  ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ያስሚር ወሀቢረቢ ገሊፀን ።

እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ምስቲ ባንኪ ዘለዋ ምትሕብባር ንምቕፃል ዘኽእል ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪበን።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ጊኒ፣ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ኣንጎላ ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሩዋንዳ፣ ሴኔጋልን ኮትዲቯርን ተሳተፍቲ ከምዝኾና  ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.