Fana: At a Speed of Life!

ብ200 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ እናተሃነፀ ዝርከብ ፋብሪካ መፍረዪ ዓለባ ሃሪ ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፉ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ብ200 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ እናተሃነፀ ዝርከብ ፋብሪካ መፍረዪ ዓለባ ሃሪ ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፉ ተዛዚሙ።

ኩባኒያ መፍረዪ ሃሪ ኪንግደም ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ብኽልተ ምዕራፍ ዝህነፅ ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ፋብካ ሃሪ እናሃነፀ ከምዝርከብ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣይተ ኣበበ ኣበባየሁ ኣብ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

እቲ ፋሪካ ናብ ስራሕ እንተኣቱ ድማ ኣብ ዓመት ልዑል ፅሬት ዘለዎ 5 ሺሕ ቶን ዓለባ ሃሪ ከምዘፍሪ ኢዮም እቶም ኮሚሽነር ዝገለፁ።

ኣብ 32 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እቲ ፋብካ፥ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ምፍራይ እንተኣቱ ን4 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብ ዓለም ልዑል ዓለባ ሃሪ ዘፍሪ ኩባኒያ ኪንግደም፥ 10 ሚኢታዊ ፍርያታት ሃሪ ዓለም ከምዝሽፍን ሓበሬታታት የመላኽቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.