Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ከይዲ ስራሕ ኣብያተ ፅሕፈት ጨንፈር ክልላት ቅልጡፍን ዘበናዊን ኣፈፃፅማ ስራሕ ንክህልዎም ዘኽእል ስልጠና ይህብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)  ብሔራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከይዲ ስራሕ ኣብያተ ፅሕፈት ጨንፈር ክልላት ቅልጡፍን ዘበናዊን ኣፈፃፅማ ስራሕ ንክህልዎም ዘኽእል ስልጠና ምስ ወለንታዊያን ተካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር  ይህብ ኣሎ።

እቲ ስልጠና ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣካቢት እቲ ቦርዱ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ፥ ምርጫ ቀንዲ ሃገርዊ ኩነታት ካብ ዝበሃሉ  ሓደ ኢዩ ኢለን።

ነዚ ድማ ጠንካራ ትካል ምህላው ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ንምግባር ዘኽእሉ ብቑዓት ሰብ ሞያታት ምውዳብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ ስልጠና ኣብ መበል ሻድሻይ ሃገርዊ ምርጫ ድምፂ ኩሎም ክፋላት ምሕበረሰብ ዋጋ ንክህልዎ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ግድ ኣለዎ ኢለን።

እቲ ስልጠና ጊዘ ሰሌዳ ቦርድ ምርጫን ከይዲ ኣፈፃፅማን፣ ትምህርቲ መረፅቲ፣ ምርጫን ስርዓተ ፆታን፣ ከይዲ ምዝገባ ሕፁያት፣ ከየዲ ምልዕዓል ምረፁኒ  ወዘተ ትኹረት ዛገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.