Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ይኹን ግድብ ህዳሰ ንምዝዛም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ኣፈላላይ ከም ሓደ ሰራዊት ብሰዓራይ መንፈስ ክለዓል ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “ቫይረስ ኮሮና ክንከላኸሎ ኢና፤ ግድብ ህዳሰ እውን ክንዛዝሞ ኢና” ኢሎም።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝተጀመረሉ ታሽዓይ ዓመት ኣብ እነኽብረሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ዓበይቲ ፈተናታት ኣጋጢሞም ከምዘለዉ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

እቲ ሓደ ለበዳ ሕማም እንትኸውን፥ እቲ ካልኣይ ድማ ህንፀፅ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ኢዩ።

ኣብ ዚሕዚ እዋን ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19፥ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ክሳብ ሕዚ 26 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን እቲ ቁፅሪ ግን ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ክውስኽ ከምዝእልን ኣብሪሆም።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ ኣብ ካልኦት ክልል ከተማታት ምርኣይ ዝጀመረ እቲ ለበዳ ሕማም፥ ካብ ቁፅፅር ወፃእ ከይኸውንን ኩሉ ሰብ ኣድላዪ ዘበለ ርብርብ ክገብር ከምዝግባእ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም ኣገንዚቦም።

ብኢትዮጵያውያ ልዑል ትኹረት ዝወሃቦ ካሊእ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “እቲ ግድብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ተሓባቢሩ ኣብዚ ዘብፀሖ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ናይ ምስራሕ ዓቕሚና ዘመስከርናሉ ዓቢዪ ፀጋና ኢዩ” ኢሎም።

ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለና ኣድህቦ ብምንካዩ ኣብ ምጉታት ህንፀት እቲ ግድብ ልዑል ፅልዋ ከምዘሕደረ እውን ገሊፆም።

“ይኹን እምበር ተሓጋጊዝና ኣብዚ ዘብፃሕናዮ ግድባና ብምኽንያት እቲ ሕማም ፍሪኡ ካብ ምርኣይ ክንዕገት የብልናን” ኢሎም።

እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ይኹን ግድብ ህዳሰ ንምዝዛም ድማ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ኣፈላላይ ከም ሓደ ሰራዊት ብሰዓራይ መንፈስ ክለዓል ከምዝግባእ እውን ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.