Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና እንተሒዙካ ከመይ ትኸውን? ከመይከ ይሕከም?

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስ ኮሮና(ኮቪድ-19) ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ክረኣይ ጀሚሩ። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዓለማዊ ለበዳ ብምዃን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተዘርጊሑ’ሎ።

ንቡዙሓት ሰባት እቲ ሕማም ቀሊል እዩ፤ ንገለ ሰባት ግን ከምዝቐትል ይግለፅ።

እዚ ቫይረስ ብኸመይ እዩ ንሰብነትና ዘጥቅዕ? ንምንታይ እዮም ገለ ሰባት በዚ ሕማም ዝሞቱ? ብኸመይከ ይሕከም?

መጫጭሒ እዋን?
***************
ቫይረሳት፥ ናብ ዋህዮታትና ብምእታውን ንዓኣቶም ብምጭዋይን እዮም ዝሰርሑ።

ቫይረስ ኮሮና ድማ በቲ ሕማም ዝተትሓዘ ሰብ ኣብ ጥቓና ኮይኑ እንትስዕል ወይ እንተህንጥስ ነቲ ቫይረስ ብምስትንፋስ ናብ ውሽጥና ክነእትዎ እንከለና ወይ ከዓ ዝተበከለ ዝኾነ ነገር ተንኪፍና መሊስና ገፅና ክንትንክፍ እንከለና እዩ ናብ ሰብነትና ዝኣቱ።

ፈለማ ኣብ ጎሮሮና፣ ቱቦታት ኣየርን ኣብ ሳንቡእናን ንዘለዉ ዋህዮታት የጥቀዖም እሞ ናብ “መጫጭሒ ኮሮና ቫይረስ” ይቕይሮም። ካብኡ ድማ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ሓደሽቲ ቫይረሳት እናተፈልፈሉ ነቲ ካልእ ዋህዮታት የጥቅዑ።

ኣብዚ ፈላማይ ብርኪ ሕማም ኣይስመዓካን፤ ገለ ሰባት ድማ ምልክታት እውን ኣየርእዩን።

ፈለማ ካብ ዝተለኸፍካሉ ክሳብ እቲ ምልክታት እተርእየሉ ዘሎ ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ብማእኸላይ ግን 5 መዓልቲ ይወስድ።

ቀሊል
*****
ንመብዛሕተኦም ሰባት እቲ ሕማም ብቐሊሉ እዩ ዝሓልፈሎም።

ካብቶም ብሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ዝልከፉ 10 ሰባት እቶም 8 ብቐሊሉ ዝሓልፍዎ ረኽሲ እዩ። ቀንዲ ምልክታቱ ድማ ረስኒን ሰዓልን እዩ።

ቁርጥማት፣ ስምዒት ሕርኽርኽ ኣብ ጎሮሮ ከምኡ ድማ ሕማም ርእሲ ከጋጥም ይኽእል ግድን ግን ኣይኮነን።

እቲ ረስኒን ሓፈሻዊ ስምዒት ቀጨውጨውታን፥ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ናይ ሰብነትና ነቲ ረኽሲ ብዝህቦ ምላሽ ዝፍጠር እዩ። ነቲ ቫይረስ ከም ባዕዲ ዘለለዮ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ገለ ፀገም ተፈጢሩ ከምዘሎ ንኻልእ ክፋል ሰብነትና ምልክት ንምሃብ “ሳይቶካይን” ዝበሃሉ ኬሚካላት ይፍኑ።

እዚ ድማ ንሰብነትና ቃንዛን ረስኒን ይፈጥር።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ፈለማ ደረቕ ሰዓል እዩ ዘስዕብ ኣፍንጫ ግን ዘረብረብ ኣይብልን)። ገለ ሰባት ግን ኣብ ከይዲ ክስዕሉ እንከለዉ ዓኽታ ይህልዎም። እዚ ዓኽታ ድማ ሓፊስ ኮይኑ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ዋህዮታት ጎሮሮ ዝሓዘ እዩ።

እዞም ምልክታት ዕረፍቲ ብምግባር፣ ብዙሕ ፈሳሲ ብምውሳድን ብፓራሴታሞልን ምሕካም ይከኣል።

እዚ ደረጃ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝፀንሕ እንትኸውን፥ መብዛሕተኦም ሰባት ኣብዚ ደረጃ እንከለዉ እዮም ዝሓውዩ። ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ሰብነቶም ስለዝከላኸለሎም።

እንተኾነ ገለ ሰባት ግን ከቢድ ዓይነት ሕማም ኮቪድ-19 የማዕብሉ።

ከቢድ
*****
እቲ ሕማም እናገደደ እንተኸይዱ መንቀሊኡ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ናይ ሰብነትና ነቲ ቫይረስ ዝህቦ ግብረ መልሲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክኸውን ከሎ እዩ።

ነቲ ካልእ ክፋል ሰብነትና ምልክት ንምሃብ ዝፍኖ ኬሚካል ቁጠዐ ይፈጥር እዩ። ብዙሕ ቁጠዐ ክፍጠር እንከሎ ከኣ ፀገም ስለዝፈጥር ሚዛኑ ክሕሉ እዩ ዘለዎ።

ቁጠዐ ሳምቡእ ኒሞንያ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ።

ዘስተንፈስናዮ ኦክሲጂን ናብ ደም ዝኸደሎምን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ድማ ዝወፀሎምን ከረጢታት ኣየር ኣብ ሳምቡእ ኣለዉ። ኣብ እዋን ኒሞንያ ግን እቶም ከረጢታት ብማይ ስለዝምልኡ ሕፅረት ኣየርን ፀገም ምስትንፋስን ይፍጠር።

ብምኽንያት እዚ ከኣ ገለ ሰባት ከስተንፍሱ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና የድልዮም።

ብመሰረት ካብ ቻይና ብዝተረኸበ ሓበሬታ፥ 14 ሚኢታዊ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት በዚ ደረጃ ይሓልፉ።

ኣስጋኢ
******
ካብቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝሓመሙ እቶም 6 ሚኢታዊ ናብ ኣስጋኢ ደረጃ ይበፅሑ።

ኣብዚ ብርኪ እዚ ሰብነት እናተዳኸመ ዝኸእድ እንትኸውን፥ ሞት’ውን ከጋጥም ይኽእል።

እቲ ፀገም ድማ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ናይ ሰብነትና ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይኑ ኣብ መላእ ሰብነትና ጉድኣት ስለዘብፅሕ እዩ።

ፀቕጢ ደም ናብ ኣዝዩ ዝተሓተ ሓደገኛ ብርኪ ክበፅሕን ገለ ውሽጣዊ ናይ ሰብነት ኣካላት እውን ኣገልግሎት ደው ከብሉን ክገብሮም ይኽእል።

ብሰንኪ ኣብ ሳምቡእ ዝፍጠር ሓያል ቁጠዐ፥ ኣዝዩ ከቢድ ፀገም ምስትንፋስ ስለዝፍጠር ድማ ሰብነትና ህላውኡ ንከቐፅል ዘድልዮ እኹል መጠን ኦክሲጅን ከይረክብ ይገብሮ።

ኩሊት ደም ናይ ምፅራይ ስርሐን ደው ከብላን ኣብ መዓንጣ’ውን ጉድኣት ክበፅሕን ይገብር።

ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ክቆፃፀሮ እንተዘይክኢሉ ድማ፥ ናብ መላእ ኣካላትና ተዘርጊሑ ተወሳኪ ጉድኣታት የብፅሕ።

ኣብዚ ብርኪ እንተተበፂሑ ከም ECMO ብዝበለ ከቢድ መሳርሒ ዝተሓገዘ ሕክምና ይጠልብ።

እዚ መሳርሒ ከም ሰብ ዝሰርሖ ሳምቡእ ኮይኑ፥ ደም ካብ ሰብነት እናወሰደ ኦክሲጅን እናሓወሰ መሊሱ ናብ ሰብነት ዘእቱ መሳርሒ እዩ።

እንተኾነ እቲ ሕማም ዝፈጥሮ መጉዳእቲ ናብ ሞት ከሳጥሕ ይኽእል።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.