Fana: At a Speed of Life!

ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት እስያ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)  ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት እስያ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብዓዊ ደገፍ፣ ድርድር ህዳሰ ግድብ፣ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ሃገራዊ ምርጫን ብዝምልከት ኢዮም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ትግራይ ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ እንተሃለዎ እውን ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ምንጋስ ከምዘይተኽኣለ ሓቢሮም።

መንግስቲ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ናይ ኢትዮጵያ ሰብዓዊ መሰላት ኮሚሽንን ኣብቲ ክልል ብሓባር ምርመራ ንምግባር ዝገበርዎ ስምምዕ ንኸቀላጥፉ ከምዘተሓሳሰበ ኣፍሊጦም።

ሱዳን ኣብ ህዳሴ ግድብ ንዘልዓለቶ ስግኣቲ ምላሽ ከምዝረኸበ ብምግላፅ፥ ግብፂ ግን ሐዚ እውን ውዕላት ባዕዳዊ ግዝኣት ብምጥቃስ እቲ ድርድር መዕለቢ ነጥቢ ንኸይረክብ ትገብር ኣላ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.