Fana: At a Speed of Life!

ተበፃሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ፕሮጀክት22 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፋዉንዴሸን ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ዝሽፈን ተበፃሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ኣብ ዝሕግዝ ፕሮጀክት 22 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ንመላእ ኢትዮጵያ ዘገልግል ስራሕ ከምዝሰርሕ ብምሕባር፤ ኣብ ስርዓት ጥዕና ምምሕያሽ ንኽመፅእ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡

ሚኒሰስቴር ጥዕና፣ ኣብ ብርኪ ፌዴራልን ክልልን ዘለዉ ትካላት ጥዕና ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ተፈፃምነቱ ረብሓ ዘለዎ ተሳትፎ ንኽገብሩ እውን ሓቲቶም፡፡

ላዕለዋይ ኦፊሰር ፕሮግራም ፋዉንዴሸን ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላስ ሊይዶን ብግደኦም÷ እቲ ፕሮጀክት ቀዳማይ ብርኪ ኣገልግሎት ጥዕና ኢትዮጵያ ተበፃሕነቱን ፅሬቱን ዝሓለወ ኣገልግሎት ንኽረክብ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ እውን 22 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር በጀት ከምዝግበረሉ ብምግላፅ፥ ንተፈፃምነት እቲ ፕሮጀክት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ክዋፅኡ ሓቲቶም፡፡

ሓፈሻዊ ስርዓት ጥዕና ናይ ምምሕያሽ ዕላማ ዘለዎ እዚ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ዝትግበር ከምዝኾ ምሕባሩ ካብ ሚኒቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.