Fana: At a Speed of Life!

ተተካእቲ ስፖርተኛታት ንምፍጣር ኣብ ክልላት ዝካየዱ ውድድራት ግደኦም ዕዙዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተተካእቲ ስፖርተኛታት ንምፍጣር ኣብ ክልላት ዝካየዱ ውድድራት ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ጅራ ገሊፆም።

ኩለን ዞባታትን 26 ወረዳታትን ክልል ኦሮሚያ ዝሳተፉሉ መበል 26 ሻምፒዮና ሓፈሻዊ ስፖርት ኣብ ከተማ ጅማ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኣይተ ኢሳያስ ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ መሰል ውድድራት ተተካእቲ ስፖርተኛታት ኣብ ምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡

ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ኦሮሚያ ማቲዎስ ሰቦቃ ብግደኦም÷ እቲ ውድድር ሕውነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብሙክታር ጠሃን ኣብዱራህማን መሓመድን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.