Fana: At a Speed of Life!

ተወሰኽቲ 376 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 699 ሰባት ድማ ሒሹዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 949 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 376 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 128 ሺሕን 992 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 699 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 114 ሺሕን 262 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ሓደ ሰብ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቱ ምሕላፉ ስዒቡ፤ በዝሒ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 2 ሺሕን 4 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.