Fana: At a Speed of Life!

ተወሰኽቲ 469 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 686 ሰባት ድማ ሒሹዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 45 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 469 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 133 ሺሕን 767 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 686 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 119 ሺሕን 416 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ ሰለስተ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ምሕላፉ ስዒቡ፤ በዝሒ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 2 ሺሕን 66 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.