Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 481 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 6 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 773 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 481 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 95 ሺሕን 301 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 6 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 457 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 867 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 50 ሺሕን 753 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ክንክን ሕክምና ዝርከቡ ሰባት 43 ሺሕን 89 እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ድማ 311 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.