Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ሃይማኖትን ኣካላት ፀጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ኣድሂቦም ዘተ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ህዝቢ ብፍላይ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዝርከቡ ወገናት ናብ መረበቶም ዝምለሱሉ ኩነታት ብምድሃብ ምስ ትካላት ሃይማኖትን ኣካላት ፀጥታን ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብቲ ክልል ከም  ህዝቢ እናጋጥሙ ዝርከቡ ዕንቅፋታት ከመይ ምብዳህ ከም ዝካኣልን ትኹረት ብምግባር ልዝብ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ÷ ኣብቲ ክልል ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፀገም ንምቅላል ግደ ትካላት ሃይማኖት ዝጠልብ ከምዝኾነን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ጠመተ ተዋሂቡ ክስረሐሉ ከምዝግባእን ኣገንዚቦም።

“ህዝቢ ትግራይ ልሙድ ውዳበታቱን ሓድነቱን ብምጥንኻር፣ ተጀሚሩ ንዘሎ ሃዋህው ሰላም ብምሉእነት ንምርግጋፅ ከዕውቶ ይግባእ” እውን ኢሎም።

ተወከልቲ ትካላት ሃይማኖት ዝተፈላለያ ዞባታትን ወረዳታትን ብግደኦም÷ “ኣበ ከቢድ ፀገም ንዝርከብ ህዝብና ንምድሓን ዝካኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና” ምባሎም ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.