Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ፋይናንስ መካተቲን ድሕንነቱ ኣብ ዝተሓለወን ግልጋሎት ዲጂታል ፋይንስ ብትኹረት ከምዝሰርሑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ፋይናንስ መካተቲን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ግልጋሎት ዲጂታል ፋይንስ ተፀበፃ ኣብ ምግባር ብትኹረት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ፋይናንስ÷ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ምክታት ዘሎ ክፍተት ዓውዲ ፋይናንስ ንምድፋን መኽአልቲ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ እናገበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ፐሬዚዳንት ባንኪ ኦሮሚያ ተፈሪ መለስ÷ ባንኮም መካተቲ ዝኾነ ስርዓት ፋይናንስ ንምርግጋፅ ናይ በዕሉ ትካላዊ ፖሊሲ ብምሕንፃፅ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምክትል ፕሬዚዳንት እናት ባንክ ትእግስት ኣባተ ብግደአን÷ እቲ ባንኪ ብመንፅር ዝተጣየሸሉ ዕላማ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ሓቢረን።

ኣመራርሓ እናት ባንክ 60 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ከም ሃገር ኣብ ዝላ ዓውዲ ፋይናንስ ናይ ባዕሉ ግደ እናበርከተ ይርከብ ኢለን ከምዝኣምና ገሊፀን።

መካየዲ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ንግዲ ስራሕ ካፒታል ፋይናንስ ኣቕሓ ኣዲስ ኣይተ መሳይ ኢንሴኔ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ትካል ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብፍሉይ ኩነታት ተጠቀምቲ ግልጋሎት ፋይናንስ ክኾኑ እናሰርሐ ይርከብ።

መካየዲ ስራሕ ማይክሮ ፋይናንስ ከፍታ ኣይተ ሞገስ ታመነ ብግደኦም÷ ከም ትካል ፋይናንስ መካተታይነቱ ዝተሓለወን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዲጂታል ግልጋሎት ንመሃብ ብትኹረት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.