Fana: At a Speed of Life!

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ምስ ማረት ብምትሕብባር ንሓረስቶት ትግራይ 20 ትራክተራት ክድግፍ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2013 ዓ. ም(ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(USAID) ምስ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ብምትሕብባር ንሓረስቶት ትግራይ 20 ትራክተራት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

እተን ትራክተራት ኣብቲ ክልል ንዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ዝሕግዛ ከምዝኾና ዝገለፁ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ዓውዲ ምምሕያሽ ናብራ ኣብ ማረት ኣይተ ረዘነ ገብሩ፥ ንሕድሕደን 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ዝተገዝኣ ኢየን ኢሎም።

ንሽዱሽተ ወረዳታት ከምዝከፋፈላ እውን ገሊፆም።

ንሕድሕደን 3 ኦፕሬተራት ብምቑፀር 14 ሺሕን 800 ሓረስቶት ተረባሕቲ ክኾኑ ኢዮም ኢሎም ረዘነ ገብሩ፡፡

ካብ ዝቕፅል ዕለተ ሓሙስ ጀሚሩ ንወረዳታት ከምዝከፋፈላ ድማ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ Tigray media House

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.