Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ብምዕፋን ከም ክልል ኣብ ዝተሸፈነ ባርነት ክትነብር ገይሩ-ኢንጅነር የማነ

ኣዲስ ኣበባ፣11 ግንቦት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ብምዕፋን ከም ክልል ኣብ ዝተሸፈነ ባርነት ክትነብር ገይሩ ኢዩ ክብሉ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣተዉ ኣባል ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ነበር ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ኢንጅነር የማነ ሃይለ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ ኢንጅነር የማነ፥ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም ንህዝቢ ትግራይ ናይ ፅምዋ እዋን ብምሃብ ካብ መቐለ ድሕሪ ምውፅኡ ነቲ ክልል ዝተቖፃፀረ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ብዙሓት ግፍዕታት ፈፂሙ ኢዩ።

“ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ጊዘ ፈራሕ ኮይኑ ክነብር፣ ሞራል ክስእንን ከምኡውን እቲ መንእሰይ ብዘለዎ ፍልጠት ንህዝቢ ከየገልግልን ካብ ምሕሳብ ዝብገስ ናይ ምዕፋንን ካልኦትን ተግባራት ፈፂሙ ኢዩ” ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ መቕተልቲ ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

ነዚ እውን እቲ ጉጅለ ስሩዓት ስቪል መሲሎም ዝንቀሳቐሱ ከምዘለውዎ ብምግላፅ፥ “ንባዕለይ ካብቲ ፈተነ መቕተልቲ ኣምሊጠ ኢየ” ክብሉ ኣብሪሆም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ሓዉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንክፍለ ገይሩ ኢዩ ዝበሉ ኢንጅነር የማነ፥ እቲ ጉጅለ “ኣራት ኪሎ ክኣቲ ኢየ” ብዝብል ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝወለዖ ኲናት ከተማታት ትግራይ ኣብዚ እዋን መንበሪ ብሰንኪ ኲናት ኣካሎም ዝሰኣኑ ኮይነን ከምዘለዋ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ ኢንጅነር የማነ፥ ከተማ ዓዲግራት፣ ሽረ፣ ኣክሱም ማእኸል ቁሱላትን ጉድኣት ኣካልን መናእሰይ ኮይነን ኣለዋ።

ልዑል ጉድኣት ኣካል ዝበፅሖም ድማ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከባ ዩንቨርስቲታትን ሆስፒታላትን ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

እቲ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ኣጋጢሙ ዘሎ መቑሰልቲን ጉድኣት ኣካልን ኣዝዩ ከምዘስካሕኽሕ ብምግላፅ፥ ቤተሰብ እቶም ግዳያት ኣብ ልዑል ሓዘን ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ብኣገዛዝኣ ህወሓት ዝተማረረ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ናብ ምጥቃም ከምዝኣተወ  ገሊፆም።

ይኹን እንበር ካብ ትግራይ ወፂኦም ናብ ጎረባብቲ ክልላት ንምኻድ ኣብ ዝግበር ፈተነ ብዕጡቓት ህወሓት ኣብ መገዲታት ዝፍፀሙ ግፍዕታት ብዙሕ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

“ንብረት ወይ ገንዘብ ንዘለዎ ተመዛባሊ ኣብ መገዲ ይኸትሩዎ፣ ደቂ ኣንስቲዮ ይዕምፁ፣ ንብረት የሕድጉ፤ እንተዘይብሉ ድማ ንድሕሪት ብምምላስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጉንዎ” ኢሎም።

ዕድል ገጢሙዎ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣተወ ተመዛባሊ ኣብቲ ክልል ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፋኖን ብፅቡቕ ከምዝቕበልዎ ተዛሪቦም።

ድሕንነት ተመዛበልቲ ኣብ ፀገም ንከይወድቕ ብመኪና ኣቢሎም ናብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ከምዝወስድዎም እውን ሓቢሮም።

“ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተሸፈነ ባርነት ኢያ ዘላ” ዝበሉ እቶም ነበር ኣባል ኣመራርሓ ግዝየዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብን፥ “ብደም ዝተሓፀረትን ማሕበራዊ ርክባ ዝተቖረፀን ክትከውን ገይረሙዋ ኢዮም” ኢሎም።

ብሜሮን ፉፋ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.