Fana: At a Speed of Life!

ቻይናን ህንዲ ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይናን ህንዲ ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ከምዝተስማዕማዓ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቂን ጋንግን ናይ ህንዲ መዘነኦም ሱራህማንያም ጃይሻንካርን ኣብ ህንዲ ኒው ደልሂ ዝተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ተራኺቦም ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቂን ጋንግ ኣብ ዘተኦም፥ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝርከብ ኢኮኖሚ ዘለወን ክልቲአን ሃገራት ብዙሕ ድሌት ስራሕ ኣለወን ኢሎም፡፡

ምንቕቓሕ ምዕባለ ክልቲአን ሃገራት ሲሶ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ከምኡ እውን መፃዒ ዕድል ኣህጉር እስያን ዓለምን ዝውስን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝገበሩዎም ስምምዓት ናብ ተብባር ንኸኣትዉ ልዝባት ንኽቕፅሉን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክጠናኸርን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱራህማንያም ጃይሻንካር ብግደኦም፥ ህንዲን ቻይናን ወነንቲ ዓብዪ ጥንታዊ ስልጣነ ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር፣ ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢን ልውውጥ ባህሊን እወንታዊ ለውጢታት ንምምፃእ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሞንጎ ቻይናን ህንዲን ዘሎ ጎንፂ ዶብ ምርግጋእ ከምዘምፀአ ዝሓበሩ እቶም ሚኒትር፥ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከባቢ ዶብ ሰላምን ፀፅታን ንምሕላው ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ ምባሎም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.