Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ትገብሮ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ከምተጠናኽር ኣምባሳደር ዣኦ ዢዩአን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበሮ ዝርከብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩአን ኣረጋጊፆም።

መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበሮ ብዛዕባ ዝርከብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኣተገባብራ ኢኒሼቲቭ 10 ዓመት ዝምልከት መድረኽ ምይይጥ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ÷ መስመር ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ፣ ናይ ቅልጣፈ መገዲ ኣዲስ ኣዳማን ዝተፈላለዩ ህንፀታትን ኣብ ፕሮጀክት ህንፀት መገዲ 10 ዓመት ቻይና ከምዝተዛዘሙ ገሊፆም፡፡

“ብፍላይ መስመር ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ ተሃኒፁ ናብ ተግባር ካብ ዝእቶ ንደሓር ልዑል ኣታዊን ወፃኢን እዛ ሃገር ኣብ ምቅልጣፍ ጭቡጥ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ለውጢ ኣምፂኡ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣምባሳደር ዣኦ ዢዩኣን ብግደኦም÷ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበሮ ዝርከብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኢኒሼቲቭ መገዲ፤ ኢትዮጵያ ብዝሓሸ መልክዑ ተጠቃሚት እናኾነት ከምትርከብ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ቻይና እቲ ኢንሼቲቭ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ምስ መንግስተ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.