Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ዓውዲ መፍረዪ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዛኦ ዚዩዋን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ክልቲአን ሃገራ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ትኹረት ገይሮም፡፡

ኣይተ መላኩ ኣለበል÷ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝተዋደደ ስግግርን ኢንዱስትሪያላዜሽን ንምምፃእ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነን ኣብሪሆም፡፡

ኣምባሳደር ዛኦ ዚዩዋን ብግደኦም÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ጥንኩር ርክብ ከምዘሎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ቻይና ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ መፍረዪ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምተጠናኽር ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.