Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣፍሪካ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ሃገራት ኣፍሪካ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ዝገብረኦ ፃዕሪ ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ምትሕብባር ኣፍሪካ-ቻይና ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኤምባሲ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ልኢኹ።

እቶም ሚኒስትር ሃገሮም ቻይና ምስ ኣፍሪካ ልዑል ርክብ ከምዘለዋ ብምፀራሕ ክብ ቃልሲ ናፅነት ጀሚሩ ክሳብ ምትሕብባርን ብሓባር ምልማዕን ዝዘለቐ ርክብ ክትፈጥር ከምዝኸኣለት ተዛሪቦም።

ንዘበናት ዝፀንሐ ርክብ ዘለወን ኣፍሪካን ኣይናን ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል እውን ሓቢረን ጠጠው ኢለን ኣለዋ ኢሎም።

ልዕሊ 50 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንመንግስቲ ቻይና ዘለዎም ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ን ኣብ ጎኒ ቻይና ጠጠው ከምዝብሉ ከምዘመስከሩን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ሃገሮም ናብ ብዙሓት ጃገራት ኣፍሪካ ሰብ ሞያታት ሕክምና ብምልኣኽ ንሰብ ሞያታት ሕክምና ስልጠና ከምዝሃበት ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰብ ሞያታት ጥዕና ኣፍሪካ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ልምዲ ንኽረኽቡ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቤን ከተማ ዉሃንን ዝርከቡ ኣፍሪካውያን ከም ዜጋታትናን ከም ስድራናን ድሕንነቶም ዝተሓለወ ንኽኸውን ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።

እዋኑ ርክብ ኣፍሪካ ቻይና ዝፍተነሉ ግዘ ዋላ ይኹን እምበር ሕዚ እውን እናደንፈዐ ምዃኑ ዝገለፁ ዋንግ ዪ፥ ኣፍሪካ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ቻይና ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣፍሪካውያን ንምሕጋዝ ካልኦት ክልተኣዊ ሓገዛት ንምግባር ሃገሮም ኣብ ከይዲ ከምትርከብ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.