Fana: At a Speed of Life!

ናብ መቐለን ሽረን ኣብ ዝግበሩ በረራታት ካብ ታሪፍ ንላዕሊ ብምኽፋል ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ተሓተትት ናይ ምግባር ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለን ሽረን ኣብ ዝገብሮም በረራታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተመዲቦም ዝሰርሑ ሓደሓደ ሞያዊያንን ምስቲ መገዲ ኣየር ዝሰርሑ ኤጀንታትን ጉዳይ ነፈፅም ኢና ምስ ዝብሉ ውልቀ ሰባት ብምምሽጣር ካብ ታሪፍ ንላዕሊ ብምኽፋል ዝተጠርጠሩ ተሓተትት ናይ ምግባር ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ካብ ታሪፍ ንላዕሊ እንተኽፍሉን ህዝቢ እንተገላትዑን ዝተረኸቡ ብሙሎኦም ጉዳዮም ተፃሪዩ ተሓተትቲ ናይ ምግባር ስራሕ ብሓባር ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን መዓልታዊ ናብ መቐለ ዝግበር በረራ ናብ ሓሙሽተ ክብ ምባሉ ከምኡውን ናብ ሽረ ዝግበር በረራ ኣብ ሰሙን ናብ ትሽዓተ ከብ ከምዝበለ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ኣድላዪ ሓይሊ ሰብ ኣብ ኩሉ መገዲ ኣየር ተመዲቡ ድሕንነቱ ብዝተረጋገፀ ኩነታት ተጓዓዝቲ እኹል ኣገልግሎት ንክረኽቡ ብቑርፀኝነት ይስራሕ ከምዘሎ አውን ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር ሞያዊ ስነ ምግባር ዝጎደሎም ውሱናት ሰራሕተኛታትን ምስቲ መገዲ ኣየር ዝሰርሑ ኤጀንታትን ብረብሓ ምስ ውልቀ ሰባት ብምምሽጣር ካብ ዝተቐመጠ ታሪፍ ንላዕሊ እንተኽፍሉ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነተን መስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ጉዳይ ክትትል እንትገብሩ ከምዝፀንሑን ኣብቲ ተግባር እንትሳተፉ ዝነበሩ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ጉዳዮም ኣብ ፖሊስ ጣቢያ መቐለ ኣብ ከይዲ ምርመራ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓሙሽተ ኤጀንትታት ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ጉዳዮም ይፃረ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ካልኦት ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ኣካላት ብምልላይ ስጉምቲታት ንምውሳድ መረዳእታ ናይ ምጥንኻር ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ህዝቢ ብዘይግቡእ መገዲ ብዘይሕጋዊያን ተዓሽዩ ሕልፊ ንከይኸፍልን ጥንቃቐ ነክገበርን ተሓቲቱ።

ንምድንጋር ዝፍትኑ ውልቀ ሰባት እንተጋጥሙ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ሓበሬታ በምሃብ ትሕብብሩ ከጠናኽር ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ነዙ ድማ 910 ናፃ መስመር ስልኪ ብምጥቃም ሓበሬታ መሃብ ከምዝከኣል ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.