Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሰላም ስምምዕነት ኣፈፃፅማ ዝቆፃፀርን ዘረጋግፅን ጉጅለ ምጥያሹ ነድንቕ ኢና- ኣንቶኒ ብሊንከን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሰላም ስምምዕነት ኣፈፃፅማ ዝቆፃፀርን ዘረጋግፅን ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ጉጅለ ምጥያሹ ኣሜሪካ ከምእተድንቕ ናይ ኣሜሪካ ናይ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊፆም።

ኣሜሪካ ብፌዴራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ተግባራዊ ንክኸውን ደገፍ ከምእትገብር ገሊፆም።

ጎንፂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ናይ ዜጋታት ድሕንነት ንክረጋገፅን ናይ ሰብኣዊ መሰል ንክኽበሩን ኩሎም ወገናት ናይ ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ናይ ሰላም ስምምዕነት ተግባራዊ ንክኸውን ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ዝገበሮ ፃዕሪ ዘድነቑ እቶም ሚኒስትር ናይ መላእ ኢትዮጵያዊያን ተጠቃምነት ንምርግጋፅ ምስ ኣፍሪካ ሕብረትን ኣጋር ኣካላትን ብሓባር ንምስራሕ ድልዊ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ኣፍሪካ ጎንፅታት ንምክልኻል፣ ናይ ምምሕዳር ፀገማት ንምፍታሕን ኣብታ ኣህጉር ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ኣሜሪካ ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ተልእኾ ምድጋፋ ክትቅፅል ኢያ ምባሎም ካብ ኣሜሪካ ናይ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.