Fana: At a Speed of Life!

 “ናይ ትማሊ ዘርኢ፣ ናይ ሎሚ ፍረ፣ ናይ ፅባሕ ስንቂ”-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) “ናይ ትማሊ ዘርኢ፣ ናይ ሎሚ ፍረ፣ ናይ ፅባሕ ስንቂ ኢዩ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ብምጥማት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓደ ነገር ዝፍጠረሉን ዝፍለጠሉን እዋን ክፈላለየ ይኽእል ኢዩ ኢሎም።

ልዑል ሚሽጥር ህይወት ትማሊ ብዘይረኣይ ጥንስን ሒንጠይን ውሽጢ ናይ ሎሚ ዓብዪ ሰብ ትሓቢኡ ምህላዉን ምዕባዩን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ናይ ፅባሕ እንታይነትን ውፅኢትን ሎሚ ዝግበሩ ስጉምቲታትን መሰተኻኸሊን ክቐርፅዎን ክእርምዎም ምኽኣሎም ድማ ተስፋ ዝህብ ሓቂ ኢዩ ኢሎም።

ህይወታዊ ዘርኢ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝዝራእ ናይ ሓሳብ ዘርኢ አውን ዓብዩን ጎልቢቱን፣ ዓንቢቡን ኣፍሪዩን ኣብ ሰባት ጭቡጥ ኮይኑ ንምርኣይ ንውሕ ዝበሉ እዋን ከምዘድሊዮ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ስርዓታዊ ዘርኢ፣ እወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ውፅኢቱ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣይረኣይን፤ ኣይምዘንን እውን ኢሎም።

መበገሲ እቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓሳባት ኣብ ውልቀ ሰባት ሰሪፆም፣ ለምዲን ስርዓትን ኮይኖም፤ ናይ ማሕበረሰብ ማንነት መግለፂ ባህሊ ክሳብ ዝኾኑ ዘበናት ይወስዱ ኢዮም ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርኣየ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ ናይዚ ፅቡቕ መርኣዪ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምቕዳሕን ስርቅን ብልዑል ኩነታት ንምቕናስ ዓሊሙ ተግባራዊ ዝተገበረ ብልሓት ፈተና ዘምፅኦ ውፅኢት ልዑል ማሕበረሰባዊ ምድንጋፅ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ኣብ ፅርየት ትምህርቲ ዘለዉና ፀገማትን ዘለናሉ ቅልውላውን ብግልፂ ዘርእይ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ይኹን እንበር እቲ ፀገም ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ እንበር ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጠረ ስለዘይኮነ መፍትሒኡ እውን ኣብ ሓደ ለይቲ ክመፅእ ዝኽእል ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ፍትሒ ይኹን ፀፅታ ብተመሳሳሊ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ኣለዉና ክብሉ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ናይእቶም ፀገማት ዕምቆት ብዝግባእ ብምርዳእ ናይ ምምሕያሽ ስጉምቲታት ተግባራዊ ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብሓዱሽ ሓሳብን ጉልበትን ንምግስጋስ ተስፋ ሰኒቕና ንለዓዕ፤ ንዝሓሸ ለውጥን ንዝሓሸ ፅባሕን ንፅዓር ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.